
ናብ ማእከል ስልጠናን ምውካስን ሜላ ዓወት እንቋዕ ብደሓን መጻኹም
ማእከል ስልጠናን ምውካስን ሜላ ዓወት ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ኣብ ስደት ዝረከቡ ኤርትራውያን ዝነጥፍ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ብሕቲ ትካል እዩ።
ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ድማ ብኣካል ይኹን ብመርበብ ሓበሬታ (Online) ስልጠናታት ይህብ።
- ዝተፈላለዩ ደረጃታት ስልጠና ኣብ ሜላ ኣተዓባብያ ቈልዑ ኣብ ስደት – ንወለድን ቈልዑ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ዘለዎም ውልቀሰባትን ትካላትን
- ሜላ ዕዉት ምጥያስ ኣብ ስደት –
- ሜላ ምሕደራ (Management)
- ሜላ ወፍሪ ኣብ ኣባይቲ (Property Investment)
- ከምኡ እውን ኣብ ምዝራጋሕ መጻሕፍቲ ሜላ ኣተዓባብያ ቈልዑ ኣብ ስደትን ስልማትን ይነጥፍ።
ብስራት ጽቡቕ ዜና
ምዝገባ ንስልጠና ሜላ ዕዉት ወፍሪ ኣብ ኣባይትን ውልቃዊ ዕብየትን
ሰላም ሰላም ኩልኻትኩም ነዚ ብሃንቀውታ ክትጽበይዎ ዝጸናሕክሞ ስልጠና (ኮርስ) ሜላ ዕዉት ወፍሪ ኣብ ኣባይቲ ምዝገባ ብወግዒ ጀሚርና ሰለ ዘሎና፡ ኣብዚ እዋናውን ኣገዳስን ትምህርቲ ክትምዝገቡ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
እዚ ኮርስ እዚ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ኰይኑ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ሰሉስ ሰሉስ ኣብ ዙም ዝካየድ ኮይኑ፡ ሰልጠንቲ ድማ ቪድዮታት ሰሚዖምን ዕዮ ገዛ ሰሪሖምን ይመጹ።
ክትምዝገቡ እትደልዩ ድማ፡ ኣብዚ መላግቦ ጠዊቕኩም ክትምዝገቡ ከም እትኽእሉ ብኽብሪ ክንሕብረኩም ንፈቱ።
https://docs.google.com/…/1c3CSinkVFRdmfe86xqfT7…/edit
ነቶም ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን ድማ ብዛዕባ ትሕዝቶ ኮርስ፡ ዋጋን ኣከፋፍላን ክንሕብረኩም ንሎሚ ምሸት 17 ግንቦት 2023 ናይ ዙም ናይ ሓበሬታ ምሸት ኣዳሊና ስለ ዘለና ነብስኹም ፈተውትኹምን ክትሓብሩና ብኽብሪ ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ዕለት፡ ሰሉስ 24 ግንቦት 2023
ሰዓት፡ 7 ድ.ቐ (7PM) ብናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣቈጻጽራ
8 ድ.ቐ (8PM) ብናይ ካልኦት ኤውሮጳ ሃገራት ኣቈጻጽራ (Berlin Time)
2 ድ.ቐ (2PM) ብናይ Washington DC (Eastern Time) ኣቈጻጽራ
Join Zoom Meeting
https://us02web.zoom.us/j/85927921640…
Meeting ID: 859 2792 1640
Passcode: 030123
ብሰላም የራኽበና!
መም ተስፎም
ናይ ስልጠና ሜላ ዕዉት ወፍሪ ኣብ ኣባይቲ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ -4ይ ዙር (Registration Form)
ሰላም ዝኸበርኩም ኣብ ዝመጽእ ስልጠና ሜላ ዕዉት ወፍሪ ኣብ ኣባይቲ ክትመዝገቡ እትደልዩ ዘለኹም ኩሉኹም። ምሳና ኣብ ዝመጽእ ኮርስ ክትስተፉ ስለ ዝወሰንኩም ኣዚና ካብ ልቢ ነመስግነኩምን ልዑል ሓበን ይስመዓናን። ብዝመጻና ዘሎ ልዑል ጠለብ ምኽንያት ነቲ ኣብ ወርሒ 6 ዝጅምር ስልጠና ምዝገባ ጀሚርና ከም ዘለና ከነበስርኩም ንፈቱ። እቶም ብሃንቀውታ ክትምዝገቡ እትጽበዩ ዘለኹም ድማ ነዛ ኣብ ታሕቲ ንሰደልኩም መላግቦ ( link) ጠዊቕኹም ክትምዝገቡ ብትሕትና ንሓትት።
ነቶም ዝተመዝገብኩም ድማ ብዛዕባ ትሕዝቶ ኮርስ፡ ዋጋን ኣከፋፍላን ከምኡውን ክህልውኹም ዝኽእሉ ሕቶታት ንምምላስን ኣብ ቀጻሊ ፍሉይ ናይ ዙም ናይ ሓበሬታ ምሸት ኣዳሊና ናብ ክፉት ናይ ሓበሬታ ምሸት ክንዕድመኩም ምዃና ብትሕትና ንሕብር። https://docs.google.com/forms/d/1c3CSinkVFRdmfe86xqfT7_2yLb3q_h9V0UgqDBl28to/edit
ማእከል ስልጠናን ምውካስን ሜላ ዓወት
መም ተስፎም ገብረመድህን
ብሰላም የራኽበና
ናይ ምዝገባ ቅጥዒ (Registration Form) ንስልጠና ቀዳማይ ደረጃ ውልቃዊ ዕብየትን ኣተዓባብያ ቈልዑን
ሰላም ኩሉኹም ኣብ ዝመጽእ ስልጠና ቀዳማይ ደረጃ ውልቃዊ ዕብየትን ኣተዓባብያ ቈልዑን ክትመዝገቡ እትደልዩ ዘለኹም ኩሉኹም ኩቡራት ወለዲ። ምሳና ኣብ ዝመጽእ ኮርስ ክትስተፉ ስለ ዝወሰንኩም ኣዚና ካብ ልቢ ነመስግነኩምን ልዑል ሓበን ይስመዓናን።
ብዝመጻና ዘሎ ልዑል ጠለብ ምኽንያት ነቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ 8 ወይ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ 9 ዝጅምር ስልጠና ቀዳማይ ደረጃ ውልቃዊ ዕብየትን ኣተዓባብያ ቈልዑን ኣቐዲምና ምዝገባ ጀሚርና ከም ዘለና ከነበስርከም ንፈቱ። እቶም ብሃንቀውታ ክትምዝገቡ እትጽበዩ ዘለኹም ድማ ኣብ ተጸበይቲ መዝገብ (Waiting list) ክንምዝግበኩም ነዛ ኣብ ታሕቲ ንሰደልኩም መላግቦ ( link) ጠዊቕኹም ክትምዝገቡ ብትሕትና ንሓትት።
ነቶም ዝተመዝገብኩም ድማ ብዛዕባ ትሕዝቶ ኮርስ፡ ዋጋን ኣከፋፍላን ከምኡውን ዝህልውኹም ሕቶታት ንምምላስን ድማ ኣብ ቀጻሊ ናይ ዙም ናይ ሓበሬታ ምሸት ኣዳሊና ናብ ክፉት ናይ ሓበሬታ ምሸት ክንዕድመኩም ምዃና ብትሕትና ንሕብር። https://docs.google.com/forms/d/1whe1ehrqI8BVT5YRsZC8ruHvadV8_G9_muatyp6SV8Y/edit
ማእከል ስልጠናን ምውካስን ሜላ ዓወት
መም ተስፎም ገብረመድህን
ብሰላም የራኽበና
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝገበርኩዎም ቃለ መጠይቓት
ምስ ማህጸን ብዛዕባ ሕርቃንን ምቁጽጻር ሕርቃንን ዝገበርኩዎ ቃለ-ምልልስ
ቀዳማይ ክፋል
ካልኣይ ክፋል
ሜሪ ሾው 1ይ ክፋል
ሜሪ ሾው 2ይ ክፋል
ሜሪ ሾው 3ይ ክፋል
ሰላም ሾው 1ይ ክፋል
ሰላም ሾው 2ይ ክፋል
ሰላም ሾው 3ይ ክፋል
ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ዘጋጥሙና ዘለዉ ብደሆታትን ዘተኮረ ምስ መለይ ሚድያ ዝገበርኩዎ ቃለ ምልልስ
ምስ ማህጸን ኣብ ወፍሪ ኣብ ኣባይቲ ዝገበርኩዎ ሰፊሕ ቃለ ምልልስ
ምስ ማህጸን ኣብ ሜላ ኣተዓባብያ ኣብ ምጉርዛውን ምጉባዝን ዝርከቡ መንእሰያት ዝገበርኩዎ ቃለ ምልልስ
ምስ ማህጸን ኣብ ሜላ ኣተዓባብያ ኣብ ምጉርዛውን ምጉባዝን ዝርከቡ መንእሰያት ዝገበርኩዎ ቃለ ምልልስ 2ይ ክፋል
ምስ ማህጸን ኣብ ሜላ ኣተዓባብያ ኣብ ምጉርዛውን ምጉባዝን ዝርከቡ መንእሰያት ዝገበርኩዎ ቃለ ምልልስ 3ይ ክፋል
Get new content delivered directly to your inbox.